ፖላንድ ንጠለባት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምድናን ነቲ “ቦርድ ዲሲፕሊን” ዝስመ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ዝርከብ ኣከራኻሪ ኮሚተ ክትዓጹ ምውሳና መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።
ቤት ፍርዲ ፍትሒ ኣውሮጳ እዚ ቦርድ ምስ ሕጊ ኣውሮጳ ከም ዘይሳነ ብምግላጽ ክፈርስ ጸዊዒ ኔሩ እዩ።
“ፖላንድ ነዚ ሕጋዊ ጽገናታት ብምግባር ስርዓተ ሕጊ ዝሰለጠ ምግባት ክትቅጽለሉ እያ” ክብል መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ።
ፖላንድ ጒዳይ እዞ ቦርድ ንግዜ ምሕዳጉ እዩ ዝሓይሽ ኢላ ክትከራኸር እኳ እንተጸንሐት መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ጃሮስላቭ ካቺንስኪ ኣብዚ ወርሒ ምስ ጠለባት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክፈርስ ጸቕጢ ክገብር ምጽንሑ ተፈሊጡ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ንውሳነ ፖላንድ ከጽንዖ ምኺኣኑ ገሊጹ’ሎ።