ፖሊስ ሽወደን ገጽ ገበነኛታት ዘለሊ ቴክኖሎጂ ከተኣታትዉ ድሌት ከም ዘለዎምን ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ፈተነ ምክያዶምን ገሊጾም። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ እታ መሳርሒት ስእሊ ናይ ገበነኛ ምስ ኣብ ማዕከን ዘለዉ 40 ሽሕ ዝኾኑ ካልኦት ገጻት ብምንጽጻር እያ ገበነኛ ተለሊ። “እዚ ምስቲ ዝጸንሐ ብኢድ ዝግበር ዝነበረ ኣሰራርሓ ብምውድዳር ኣዝዩ ስሉጥ ኣገልግሎት ክንህብ ከኽእለና እዩ” ክብል በዓልመዚ ፖሊስ ሽወደን ማርቲን ቫልፍሪድሰን ን TV4 ኒሂተር ሓቢሩ።
እዚ ኣገባብ ምስ እለሻ ዲኤን ኤ ተመሳሳሊ ከም ዝኾነ ድማ ይግለጽ ኣሎ። ጸሓፊት ማሕበር ባር ሽውደን ኣን ራምበርግ ነዚ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ነቐፌታ ገሊጻ’ላ። ንሳ እዚ ቴክኖሎጂ ናብ ትግባረ ቅድሚ ምስግጋሩ ናይ ፍቓድ ክፍሊ መርመራ ክረክብ ኔርዎ ኢላ። ብተወሳኺ እዚ ቴክኖሎጂ ምሰል ብሕታውነት ሰባት ዝግህስ እዩ ኢላ’ላ።