ናይ ኮምፑዩተር ፕሮግራም Swish ክፍተት ብምህላዉ ፖሊስ ይነቕፎ ኣብ ናይ ገንዘብ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም Swish ክፍተት (ነቕዕ) ከምዘለዎን፡ መንግስቲ ሽወደን ነዚ ብሽወደናውያን ኮነ ብነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ወጻእተኛታት ዓቢ ተጠቃምነት ዘለዎ ፕሮግራም ክቆጻጸሮ ከምዘለዎ ፖሊስ ሽወደን ጠለቡ ኣቕሪቡ። በዓል መዚ ፋይናንሳዊ ምቁጽጻር (Finansinspektionen) ብቐጥታ ነዚ ፕሮግራም (SWISH) ብዘይምቁጽጻሩ መሳርሒ ናይ ገለ ገበነኛታት ክኸውን ከምዝኻኣለ ኣብ ክፍሊ ሃገራዊ ስርሒታት ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንሳዊ ፖሊስ ዝኾነ ኒክላስ ሉንዳ ምስ ተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ምዝርራብ ሓቢሩ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ዝወጹ ሕጋጋት፡ ንገበናት ፊናንሳዊ ትምየና፡ መዕገቲ ብዝኾንሉ መንገዲ ክተሩ ከምዘለዎም ጸዊዑ። ብመሰረት ክፍሊ ሃገራዊ ስርሒታት (NOA)፡ ፕሮግራም SWISH ቐጥታዊ ርክብ ምስ ስርሒት ምምሳል ገንዘብን (money laundering) ንገበነኛታት ዘይተኣደነ ኣታዊ ንከኻዕብቱ ምቹእ ባይታ ከም ዝኾነ፡ ንገንዘባዊ ምትሕልላፍ ብፍላይ ካብ ባንክ ናብ ባንክ ምስ ዝኸውን ንምክትታሉ ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ይገብሮ።
ብሰንኪ ስርሒታት ገንዘባዊ ምምሳል (money laundering) ክፍጠሩ ንዝኽእሉ ሓደጋታት ንምውጋድ፡ ኣብ ናይ ዓማዊል ሒሳብ ዘይንቡር ምንቅስቕስ ገንዘብ ምስ ዝረአ፡ ባንክ ብቐጥታ ክሕብር ከምዝግባእ ሉንዳ ሓቢሩ።