ኣብ ማልም ምእሳር፥ ምህጋር ኣጽዋርን ምስባር ክልተ ተፈንጀርቲ ዝሰርሑ መርበባትን ምስላጡ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ማልም ሰፊሕ ስርሒታት ጸጥታ ድሕሪ ምክያዶም ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ክልተ ተፈንጀርቲ ዝሰርሑ መርበባትን ክስበሩ ምኽኣሎም ብዙሓት ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ተገሊጹ። ብመሰረት ፖሊስ 39 ኣጽዋራትን ሓደ ኪሎግራም ዝምዘን ተፈንጃሪን ሃጊሮም ኣለዉ። 700 ንብረትን 2 ሽሕ መካይንን ምፍታሾም ከኣ ተገሊጹ።
ኣብቲ መስርሕ ፖሊስ 12 ኣብዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ተዋፊሮም ኢሎም ዝጠርጠርዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። ኣብዚ መስርሕ ፖሊስ ምስ ካልኦት ሰብመዚ እንተላይ ምምሕዳር ግምሩኽን ኮርፖሬሽን ምውህላል ዕዳን ብጥምረት ይዓዩ ምህላዎም ድማ ተገሊጹ።፡ ኣዛዚ ስርሒት ደቡባዊ ዞባ ኒኮ መሰሊ ሎሚ ኣብ ማልም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ” እዚ ሽዱሽተ ሸውዓተ ወይ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ” ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ።፡