ፖሊስ ሽወደን፡ ልዕሊ ዓመታዊ ባጀቱ፡ ነቲ ኣብ ዓመተ 2021 ዘጋጠሞ ሕጽረት ንምምላእ፡ ተወሳኺ 500 ሚልዮን ክሮነር ንኽወሃቦ ዘኽእል ሓድሽ መንግስታዊ እማመ ቀሪቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ፖሊስ ሽወደን፡ ብሰንኪ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዘጋጠመ ወሰኽ ኣባላት ፖሊስ፡ ወሰኽ ወጻኢታት ሓለዋ ዶባትን ወሰኽ ናይ በዓላት ክፍሊትን ኣብ ዓመተ 2021፡ ክሳብ ፍርቂ ቢልዮን ክሮነር፡ ሕጽረት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ፖሊስ ሽወደን፡ ነዚ ዘጋጥም ሕጽረት፡ ብመልክዕ ዕዳ ክሽፈነሉ ክሓትት ምዃኑ ገሊጹ። መንግስቲ ሽወደን ብወገኑ፡ ነቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ንምምላእ፡ ተወሳኺ ናይ 500 ሚልዮን ክሮነር ንኽወሃብ እማመ ኣቕሪቡ ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ገሊጹ።
ብጀካ እዚ ኣብ ዓመተ 2021 ክውስኾ ሓሲቡ ዘሎ ገንዘብ፡ ንናይ ዓመተ 2022 ዝኸውን ባጀት ምስ ወሰኹ ክስልዕ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።