ፖሊስ ሽወደን፥ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝቃጸሉሉ ሰልፍታት ንምክያድ ፍቓድ ዝሓትት ሰለስተ ሓደስቲ መመልከቲታት ከም ዝበጽሖም፥
ኣገልግሎት ዜና ቴሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። ክልተ ካብቶም መመልከቲታት ኣብ ስቶክሆልም ሰልፊ ክካየድ ዝሓቱ ክኾኑ እንከለዉ፡
እቲ ክላእ ድማ ኣብ ሄልሲንግቦርግ ደቡባዊ ሽወደን ንምክያድ ዝተወጠነ እዩ። ኣብዞም ሰልፊታት ሓደ ሰብ ዝመጽእ ቀዳም፥
ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሁድ ዝኾነ ኦሪትን ክርስትያናዊ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ እስራኤል ከቃጽል ፍቓድ ክወሃቦ
ሓቲቱ’ሎ። እቲ መንእሰይ፥ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምቅጻል ቊርኣን ምኽንያት ብምግባር ከም ግብረ መልሲ ነዚ ከካይድ ከም
ዝደሊ ገሊጹ። ብተመሳስሊ ካልእ ኣብ ክሊ ዕድመ 50ታት እትርከብ ኣባል እዚ ሰልፊ ድማ መጽሓፍ ቁርኣን ኣብ ልዳት መስጊድ
ስቶክሆልም ንኸትቃጽል ፍቓድ ክወሃባ ኣመልኪታ’ላ። ሳልሳይ ሓታቲ ግና እንታይ ዓይነት ቅዱስ መጽሓፍ ወይ መጻሕፍቲ ከቃጽል
ከም ዝሓሰበ ብንጹር ኣየቐመጠን።