ኣብ ሽወደን ብዙሓት ሰባት ብሓሶት ይደናገሩ ምህላዉ ፖሊስ ሽወደን ይሕብር። ሰባት ብኣደናገርቲ ፖሊስ ገንዘቦም ይዝረፉ ከምዘለዉን ሓቢሮም። እቶም ናይ ሓሶት ፖሊስ ደዊሎም ብ ሓሶት ወድኻ ብሓደጋ ተጎዲኡ ብምባል ንሰባት ኣብ ምድንጋር ተዋፊሮም ከምዘለው ይገልጹ።
እዞም ናይ ሓሶት ፖላይስ፡ ኣብ ኢንተርነትካ ናይ ባንክ ሒሳብ እቶ ብምባልን፣ ናይ ባንክ ሒሳብካ ቁጽሪ ካርድ ሃበና ብምባል ንሰባት ይዘምቱኻ ከምዘለዉ ወሲኾም ይገልጹ። ግን ነብስኻ ንምክልኻል ብዙሕ መንገዲ ከምዘሎን ገለ ካብኡ ድማ፥
• ብዛዕባ ናይ ሒሳብ ካርድ ኮድ ወይ ቁጽሪ ዚምልከት ሓበሬታ ንወላሓደ ኣይትሃብ።
• ሓደ ሰብ ደዊሉ ኣብ ኢንተርነት ኣብቲ ናይ ባንክ ሒሳብ እቶ ምስ ዚብለካ፡ ኣይትስምዓዮ። ሰራሕተኛታት ባንክን ኮነ ፖላይስን ከምኡ ዓይኑት ከምዘይሓቱን።
• ሓደ ሰብ ከዐሽወካ ምስ ዚፍትን፡ ንባንክኻ ክትሕብርን። ናብ ፖሊስ እውን ከተመልክት ከምዘልኻ ፖሊስ ሽወደን የተሓሳስብ።