ኣዳላዊ ናይቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ቁርኣን ዘቃጸለ ተቓውሞ፡ ኣንጻር ሓደ ጉጅለ ህዝቢ ናዕቢ ክለዓል ዝጽውዕ
ብምዃኑ ፡ ከምኡ’ውን እገዳ ባርዕ ሓዊ ብምጥሓሱ ፖሊስ መርመራ ይገበረሉ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ስቶክሆልም ከባቢ
ሶደርማልም ኣብ ዝርከብ መስጊድ፥ ብምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን ዝተኻየደ ተቓውሞ፥ ፍቓድ ፖሊስ ዝተዋህቦ ምዃኑ
ተፈሊጡ’ሎ። ነዚ ምቅጻል ቊርኣን ዝወደበ ሰብኣይ ክርስትያናዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ኢ-ኣማኒ (ኤተይስት) ዒራቓዊ እዩ።
እቶም በዓል ዒድ ኣድሓ ብስግድት ዝዝክሩ ዝነበሩ ኣመንቲ ምስልምና፥ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኣፍደገ መስጊድ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ
ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን ዝኾነ ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮም፥ ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም ኣለዉ። ሒባ ዝተባህለት ካብዞም ሰገድቲ
“ኣብ ሽወደን ዝቕመጡን ነዛ ሃገር ዝሰርሑን ብዙሓት ኣመንት ምስልምና ኣለዉ፥ ግና ነዚ ጒዳይ ከም ቅቡል ነገር እዮም
ዝርእይዎ ዘለዉ። ሽወደን ዓዲ ክርስትያን ምዃና እግንዘብ እየ፡ እንተኾነ ግና ምቅጻል ቊርኣን ከም ቅቡል ነገር ክውሰድ ኣይግባእን
እዩ” ክትብል ገሊጻ።
ዒድ ኣል ኣድሓ ንምጽንባል ኣብቲ መስጊድ ዝነበረ ዓብደል-ቃደር ብወገኑ “ምቅጻል ቊርኣን ጸጋታት ፖሊስ የባኽን ምህላዉ
ዘሕዝን እዩ። ንሕና ዝግብኣና ግብሪ እንኸፍል ዜጋታት ኢና፡ ብስም ምግላጽ ሓሳባት ከምዚ ዝበለ ናይ ጽልኢ ወፍሪ ይካየድ
ምህላዉ ዘሕዝን እዩ” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።