ፖሊስ ሊንሾፒን፡ ገበናት ንምክልኻልን ጸጥታ ከባቢ ንምውሓስን፡ ኣብ ሰማያት ከባቢ ዂድን (Ryd) ዂይቶርፕን (Skäggetorp) ን24 ሰዓታት፡ ካሜራታት ዝዓጠቓ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ክጥቀም ወሲኑ ኣሎ።
እዚ ውሳነ፡ ካብ 19/10/2020 ክሳብ 18/01/2021 ዕድመ ዘለዎ ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ ገጻቱ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ዕላማ ናይዚ ውሳኔ፡ ፖሊስ፡ ንመበገስን መራገፍን ናይቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝንቀሳቐስ ዕጸ-ፋርስ ንምክትታል እዩ።
እዚ ሓድሽ ውሳኔ፡ መመላእታ ናይቲ ነካይዶ ዘለና ጻዕሪ እዩ። ከም ኣዒንትና ኮይነን ኣብ ጎደናታት፡ ቀወምቲ ካሜራታት፡ ምስ ክዳውንትና ዝጠበቐ ካሜራታት፡ ሕጂ ድማ ብካሜራታት ጌርና ካብ ሰማያት ምክትታል ጀሚርና ኣለና ክትብል ሓላፊት ፖሊስ ሊንሾፒን፡ ኣን ክርስቲን ሬንስትሮም፡ ገሊጻ።
ንሰብ ኣልቦ በረርቲ፡ ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ ንኸውዕለን፡ ፖሊስ ሊንሾፒን፡ እኹል ዝኾነ ተክኒካዊ ትምህርቲ ቀሲሙ ምህላዉ ኣዘኻኺራ።