ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራትናን ብርጅዋታትን ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቶም ዝገብርዎ ዘለዉ ዘተ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰልፊ ኣከባቢን ዘሎ ዝምድናታት ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ ተገሊጹ።
ሶሻል ዲሞክራትስ ካብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምንጋፍ ነቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ኣውሪዶም ብብዝሒ ድምጺ ክውስንዎ ምፍታኖም ኣሸጋሪ ክኽውን እዩ ክብል ተመራማሪ ፖለቲካ ኒኮላስ ቦሊን ገሊጹ።
ነዚ ፖሊሲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከነቕርቦ ኣይንኽእልን ኢና ክትብል ዋሃቢት ቃል ሰልፊ ኣካባቢ ዝኾነት ኢዛቤላ ሎቪን ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። መሻርኽቲ መንግስቲ እናዘተየ እንከሎ እቶም ኣማራጺታት ውሒዳት እዮም።
ብመሰረት ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ብርክት ዝበሉ ስርሓት ናብ ሰልፊ ኣከባቢ ዘበርከተን ኒኮላስ ቦሊን፡ ሰልፊ ኣከባቢ ብዙሕ ዘፍርሆም ነገር ኣይክህሉን እዩ። ሓድሽ መስርሕ ኣሰላልፋ መንግስቲ ወይ ተወሳኺ ምርጫ ንሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ ኣብ መጻብብ ከእትዎ ይኽእል እዩ ድማ ኢሉ። ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ውሱን ቁጽሪ ስደተኛታት ናይ ምቕባል እማመ ፡ እቲ ኣዝዩ ኣሰካፍን ጸላውን ጉዳይ ብምዃኑ።
ሰልፊ ኣከባቢ፡ ንመንግስቲ ክገድፎ ክግደድ ወይ ድማ ነቲ ንብዝሒ ስደተኛታት ገደብ ዝገብር እማመ ክቕበሎ ከድልዮ እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ውሳነ ግን ብዙሕ ክብረት ተኣማንነትን ዝኽሰረሉ ውሳኔ ከይከውን የስግኣኒ ክብል ኒኮላስ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ሰልፊ ኣከባቢ ምስ መንግስቲ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ብዙሕ ሽግራት ከጓንፎ ጸኒሑ። ብፍላይ ኣብ 2015 እቲ ሰልፊ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ስደተኛታት ጽንክር ዝበለ መርገጺ ንኽሕዝ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብ ፖሊሲኡ ብዙሕ ሕድገታት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ብዙሕ ወቐሳታት ዝወረዶን እቲ ሰልፊ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዘይነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ድኽም ዝበሉ ርእይቶታት እኳ እንተሃለዉ ልዑል ዝኾነ ናይ ምዕዋት ባህጊ ግን ኣሎ።
ምስ መንግስቲ ምትሕብባር ብሓደ ሸነኽ፡ ከም ሰልፊ ኮንካ ኣብ ባይቶ ንኽትቅጽል ዘኽእለካ ድምጺ ምርካብን ብኻልእ ሸነኽ፡ እቲ ቀንዲ ሰልፊ ኣከባቢ ዝሰርሓሉ ኮይኑ፡ እዚ ግን ኩሉ ግዜ ጎድኒ ጎድኒ ዝኸይድ ኣይኮነን ድማ ኢሉ።
እቲ ኣንኮ ዝተርፍ ኣማራጺ፡ ንመንግስቲ ምግዳፍ ክኸውን እዩ ክብል ዘረብኡ ዛዚሙ።