ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ መሓመድ ቡሃሪ፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ኩነታት ልሙድ ጥዕናዊ መርመራኡ ንምፍጻም ናብ ለንደን ከም ዘምርሐ፡ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።
ንሱ ኣብ ካልአይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ ሚያዝያ ከም ዝምለስ፡ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ፈሚ ኣደሲና፡ ገሊጹ’ሎ። ንኩነታት ጥዕናኡ ከመይ ምህላዉ እቲ መግለጺ ኣይሓበረን።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣንጊሁ ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ድሕሪ ምዝታይ ናብ ጒዕዞኡ ክሳፈር እዩ ክብል ኣደሲና ኣመልኪቱ’ሎ። ቡሃሪ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ንደሓር ብርክት ዝበለ ግዜያት ናብ ብሪጣንያ ገይሹ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ። ወዲ 78 ዓመት፡ ቡሃሪ፡ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዓመተ 2017 ንሰለስተ ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ኣብ ወጻኢ ዘሕለፈሉ እዋን ምንባሩ እውን ይፍለጥ። ጥዕናኡ ኣሻቓሊ ምዃኑ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ቡሃሪ፡ ካብ ምርጫ 2019 ንደሓር፡ ንጥፈታቱን ናብ ህዝቢ ዝቐርበሉን መጠን እናወሰኸ ምምጽኡ ተዓዘብቲ ይገልጹ።