ፕረሲደንት ሶማል፡ ናይ ስልጣን ግዜኡ ከናውሕ ምውሳኑ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ ሓያላት ሃገራት ዘስምዓኦ ተቓውሞ ከም ዘገረሞ ብምጥቃስ “እዚ ጒዳይ ሶማል እዩ” ብምባል ብትሪ ወቒስዎም።
ንሱ፡ ሶማል ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዴሞክራሲ ዘርኣየቶ ዕቤት ክንእዳኣ ድኣ እምበር ኣብ ከምዚ ዝበለ ውሽጣዊ ጒዳያት ምእታወን ግቡኣ ኣይኮነን ኢሉ። “ሶማላውያን ዴሞክራስያዊ መሰላቶም ተጠቒሞም ዕምሪ መንግስቶም ክናዋሕ ምግባሮም ከም ዘይሕጋዊ ንምምሳል ዝግበር ዘሎ ጠቐነ ንዂንን ክብል ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።
ታሕተዋይ ባይቶ ሶማል፡ ብሰኑይ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ስልጣን ፕረሲደት ፎርማጆ ክናዋሕ ምውሳኑ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ግና ተቓወምቲ ሰልፊታት እታ ሃገርን ዞባውያን መንግስታት ጁባላንድን ፑንትላንድ ከምኡውን ሰኔት እታ ሃገር፡ ነዚ ብትሪ ተቓዊሞም ኣለዉ።
ኣመሪካን ኣውሮጳን እውን ነዚ ዘይሕጋዊ ዝበላኦ ምንዋሕ ስልጣን ዘለወን ተቓውሞ ገለጸን ኣለዋ።