ንሓደጋ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ቅሉዓት ዝኾኑ ሰባት ካብ ለበዳ ቫይረስ ፈሪሆም ንስራሕ ዘይወፈሩ ሰራሕተኛታት ከምቲ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝተፈቕደሉ ሰብ ዝወስዶ ካሕሳ (Sjukpenning) ክኽፈሎ ፓርላማ ሽወደን ከምዘጽደቖ TT ኣቃሊሑ።
እቲ ውሳኔ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ከምዝሰርሕ ውን ሓቢሩ።
ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ዘለዎም እሞ ብቐሊሉ ብቫይረስ ኮሮና ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ቆልዑ፡ ወለዲ ካብ ስራሕ ከብክሩ ስለዝግደዱ፡ እዞም ከምዚ ዓይነት ጉጅለ ሰራሕተኛታት ውን ኣብቲ ውሳኔ ካሕሳ እቱዋት ምዃኖም ተሓቢሩ። እቲ ዓይነት ካሕሳ (föräldrapenning) ይበሃል።
ንቀረባ ዘመድ ናይቶም ንሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ቅሉዓት ዝኾኑ ክፋል ሕብረተ ሰብ ውን እቲ ውሳኔ ይጽምብሮም ምዃኑ ተገሊጹ። እቲ ዘመድ ምስቲ ንሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ቅሉዕ ዝኾነ ሰብ ብሓባር ዝነብር እንተኾይኑ’ሞ ኣብ ስራሕ ዝኸደሉ ኣጋጣሚ ቫይረስ ተሰኪሙ ንገዛ ንኸይመጽእ ብስክፍታ ካብ ስራሕ ምስ ዘብኩር ማለት እዩ። እቲ ዓይነት ካሕሳ (smittbärarpenning) ይበሃል።
እቲ ዝኽፈል ካሕሳ፡ መዓልታዊ ክሳብ 804 ክሮነር ክበጽሕ ከምዝኽእልን ን90 መዓልታት ዝቕጽል ምዃኑን ተፈሊጡ ኣሎ።
ካሕሳ ዝምልከቶም፡ ንሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ቅሉዓት ዝበሃሉ ጉጅለታት ኣየኖት ምዃኖም ብንጹር ኣይተፈልጡን ዘለዉ።
ካሕሳ ዝምልከቶ ሰብ፡ ኣብ ገዛ ኮይኑ ክሰርሕ ዘይክእል ክኸውን ከምዘለዎ እቲ ውሳኔ ይሕብር። ወሃቢ ስራሕ ብወገኑ ነቲ ዘስርሖ ሰብ ምስ ኩነታት ብዝሰማማዕ ስራሕ ክህቦ ከምዝኽእል ውን እቲ ውሳኔ የመልክት።
ናይ Sjukpenning ተባሂሉ ዝኽፈል ካሕሳ ክሳብ 5.9 ቢልዮን ክሮነር፡ ናይ smittbärarpenning ካሕሳ ድማ ክሳብ 70 ሚልዮን ክሮነርን ናይ smittbärarpenning ካሕሳ ድማ ክሳብ 40 ሚልዮን ክሮነር ከም ዝበጽሕ ተገምጊሙ።