ፍልስጤማውያን ካብ ምብራቕ ዮርሳሌም ከይፈናቐሉ ኣብ ምጒስጓስ ርኡይ ተራ ክትጻወት ዝጸንሐት፡ ኣክቲቪስት ሙና ኤልኩርድ፡ ብሰብ መዚ እስራኤል፡ ካብቲ ኣብ ምብራቕ ዮርሳሌም ዝርከብ መንበሪኣ፡ ከም እተወስደት ተፈሊጡ።
ሙና፡ ካብ መንበሪኣ፡ ከባቢ ሼል ጃራሕ፡ ብካቴና ተኣሲራ እናተወስደት ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ’ሎ። ማንታ ሓው ሙና፡ መሓመድ፡ እውን ብፖሊስ ንሕቶ ከም ዝቐረበ፡ ድሒሩ ድማ፡ ክልቲኦም የሕዋት ካብ ቀይዲ ከም እተፈነዉ ተገሊጹ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤምን ተፈጢሩ ዝቐነየ ግጭት፡ ነበርቲ ሼይኽ ጀራሕ፡ ካብ መንበሪኦም ንኽወጹ፡ ብእስራኤል ዝተወስደ ስጉምቲ፡ እቲ ቀንዲ ድርኺት ናይቲ ግጭት ምንባሩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ። ን 11 መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት፡ ካብ ወገን እስራኤልም ፍልስጤምን ልዕሊ 250 ሰባት ምሟቶም ዝፍለጥ እዩ።