ዓበይቲ ባንክታት ሽወደን ንልቓሓት ንግዳዊ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ብዝምልከት ዝያዳ ውሕስነት ንምርካብ ነፍሲ ወከፈን መጠን ርእሲ-ማለን ናብ 5 ቢልዮን ክሮነር ክብ ንኸብለኦ ፋይናንሳዊ ገንዘባዊ ቁጽጽር FI ሓቢሩ። እተን ባንክታት ድማ ስዌድ ባንክ፡ ሃንድልስ ባንከንን SEB እየን። ንንግዳዊ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ዝወሃቡ ልቓሓት ሓደገኝነቶም እናዛየደ ይምጽእ ምህላዉ ሎሚ ካብ FI ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ፡፡
ሕቶ ወሰኽ ርእሰ-ማል፡ ነዘን ሰለስተ ዓበይቲ ባንክታት ሽወደን መሰረታዊ ጽልዋ ክገብረለን ከምዝኽእል እቲ ቤት ጽሕፈት ገምጋሙ ገሊጹ። ሓደ ካብተን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኣርባዕተ ዝዓበያ ባንክታት ዝኾነ፡ ኖርድያ ባንክ፡ ናይ ሽወደን ዘይኮነስ ናይ ፊንላንድ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ቁጽጽር ሓቢሩ።