ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ ኲባንያታት ዝገጠመን ክሳራ ንምድጋፍ መንግስቲ ሽወደን ዝገብሮ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝድንግግ ኣዋጅ ዕላዊ ከም እተግብረ ተገሊጹ። እዚ ናይ ሓገዝ ፓኬጅ፡ ኣብ 2020 ከምኡ’ውን 2021 ኣስታት 60 ቢልዮን ክሮና ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ መጠን ባጀት 1% ሃገራዊ ዕዳ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
“እዚ ዓብዪ ገንዘብ ምዃኑ ብሩህ እዩ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ እንክረአ፡ ካብቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ተጸብይዎ ዝነበረ ኣጸቢቑ ዝተሓተን ዝሓሰረን እውን እዩ” ክብል ኣብ ኮንፈደሬሽን ዋኒናት ሽወደን ዋና ተሓጋጋዚ ስነ-ቊጠባ ዮናስ ፍሪክሉንድ ገሊጹ’ሎ።