ኣማኢት ሰነዳት ዘይብሎም ወጻእተኛታት ካብ ፊንላንድ ክስጐጒእ ከም ዝኽእሉ ሄልሲንጊን ሳኖማት ሓቢሩ። ሄልሲንጊን ሳኖማት
ዝሓለፈ ሰኑይ፥ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ፊንላንድ ንሸሞንተ ዓመታት ዝተቐመጠ፥ እንተኾነ ግና ናይ ዕቚባ ሕቶኡ ስለ እተነጽገ ናብ
ዒራቕ ክግዕዝ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ዝርከብ ዒራቓዊ ሓደ ጸብጻብ ኣቕሪባ ኔራ። እዚ ሰብኣይ ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሉ ብምዃኑ
እቲ ምስጓጒ ኣብ ዝቕጽላ ክፍጸም ይኽእል'ዩ ተባሂሉ’ሎ።
እቲ ሰብኣይ ነቲ ምስጋኡጒ ተቓዊሙ’ሎ። ። ዒራቕ ብምኽንያት ገበናዊ ፍርዲ ካብ ካልእ ሃገር ንዝስጐጒ ዜጋታት ክትቅበል
ጸኒሓ’ያ፡፡ እንተኾነ ግን ብወለንታኦም ንዘይምለሱ ዜጋታት ናይ መገሻ ሰነዳት ኣይትህብን እያ። እንተኾነ ግና ዒራቓውያን ሓተትቲ
ዑቕባ ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን፡ ነቶም ብወለንታኦም ምምላስ ዝኣበዩ ሰባት፡ ምውጻእ ሰነዳት ዳግማይ ክጅመር ይኽእል እዩ ዝብል
ስክፍታ ከም ዘለዎም ይፍለጥ።
ፊንላንድ ብወገና፡ ቅድሚ ሕጂ ን ምጥሓስ ኣዋጅ ወጻእተኛታት ከም እኹል ምኽንያት ምስጓጒ እዞም ዜጋታት ክትርእዮ
ዘይምጽንሓ ሄልሲንጊን ሳኖማት ገሊጻ። ሃገራዊ ቦርድ ፖሊስ ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳያት ርእይቶ ክህብ ከም ዘይክእል እኳ እንተገለጸ፡
ኣብዚ እዋን’ዚ ብውሑዱ ኣማኢት ዒራቓውያን ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ፊንላንድ ከምዘለዉ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ’ሎ።
ይዂንምበር፥ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ፖሊስ ዋና ተቖጻጻሪ ኣሪ ጆኪነን፡ ፖሊስ ኣብ ምእላይ ዝነበሮ ኣገባብ ከም ዘይቀየረ፡ ነቲ ዝጸንሐ
ሕጊ ጥራይ ምኽባር ከም ዝቕጽል ኣስሚሩሉ።
"ብመሰረ ሕጊ ኢሚግሬሽን ሓደ ወጻእተኛ ንመእተዊ ወይ መንበሪ ዝኸውን ረቛሒታት እንተዘይተማሊኡ ፖሊስ ካብታ ሃገር
ንኽስጐጒ ስጉምቲ ክወስድ ይግደድ እዩ" ክብል ጆኒከን ወሲኹ ገሊጹ።
“ወጻእተኛ ነቲ ዝረኸቦ ኣሉታዊ መልሲ ሕቶ ዕቚባ ኣኽቢሩ፥ ካብታ ሃገር ክወጽእ ይግባእ። ሓደ ወጻእተኛ ነቲ ውሳነ እንተ
ዘይተማእዚዙ፡ ፖሊስ ካብታ ሃገር ናይ ምእላይ ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎ” ክብል ጆኪነን ርእይቶኡ ሂቡ። ብተወሳኺ እቲ ሕግታት
ንዒራቓውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንዂሎም ወጻእተኛታት ሰባት ዝምልከት ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።