ፊንላንድን ሽወደንን ኣባላት ኔቶ ንምዃን ጻዕረን ክደፍኣሉ ምዃነን ሚኒስተር ምክልኻል ፊንላንድ ኣንቲ ካይኮነን ገሊጹ።
“ኣብ ፕሮጀክት ኔቶ ምስ መሻርኽትና ሽወደን ብሓባር ንደፍእ ኣሎና። ከምቲ ናይ ፈለማ ውጥንና ነዚ ፕሮጀክት ምውዳእ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ የብልናን” ክብል ን YLE ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።
እዘን ክልተ ሃገራት፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ምዃነን ብዓይኒ ምክልኻል ኣገዳሲ እዩ ዝበለ ካይኮነን፡ ካብ 30 ኣባል ሃገራት እተን 28 ዛጊት ነዚ ሕቶ ኣባልነት ኣጽዲቐናኦ ምህላወን፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ከኣ ስሎቫክያ ኣብዚ ጒጅለ ምጽንባራ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።
ናይ ሽወደንን ፊንላንድን ሕቶ ኣባልነት ኔቶ፡ ብሃንጋሪን ቱርኪን ገና ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ዝፍለጥ እዩ።