ፊንላንድ፡ ዝመጽእ ረቡዕ ሕቶ ኣባልነት ኔቶ ከተእቱ ከም እትኽእል፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ፐካ ሃቪስት ገሊጹ። ንሱ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፊንላንዳውያን ብዕንደራ ሩስያ ኣይክሽበሩን እዮም ኢሉ። “ሰራዊት ሩስያ፡ ልሙድ ወተሃደራዊ ታህዲድ፡ ምግሃስ ሉኣላዊ ክሊ ኣየርናን ማያትናን፡ ምናልባት እውን ምጥሓስ መሬታዊ ዶብና ክገብር ከም ዝኽእል ሓሲብና፡ ተቐሪብናሉ ኣሎና” ክብል ፔካ ሃቪስቶ ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ’ሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሽወደን ምናልባት ን ፊንላንድ ቀዲማ፡ ጽባሕ ሰኑይ ናይ ኔቶ ኣበልነት ሕቶ ከተእቱ ከም እትኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
“ሽወደን፡ ኣቐዲማ ከተመልክት ከም እትኽእል ግምት ኣሎና። ኣብ ሽወደን ብዝካየድ ዘሎ መስርሕ ዕጉባት ኢና፡ እዚ ንድሕነት ክልቲአን ሃገራት ከደንፍዕ እዩ ዝብል እምነት እውን ኣሎና” ዝበለ ሃቪስት “ምስ ኔቶ ዝግበር ልዝብ ጀሚሩ ብልኡኽ ሚኒስተር ጒዳያት ወጽኢን ሚኒስተር ምክልኻልን እዮም ክካየዱ” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ’ሎ። ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኢንስት፡ ከምኡውን ቀዳማይቲ ሚኒስተር ሳና ማሪን፡ ኣብዚ ሰሙን ፊናልንድ ኣባል ኔቶ ክትከውን ከም ዝድግፉ ምፍላጦም ዝዝከር እዩ።.