ፊንላንድ መበል 31 ኣባል ኔቶ ምዃና ኣመልኪቱ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ፔካ ሃቪስቶ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኔቶ
ብራስለስ–ቤልጄም–ጋዜጣዊ ዋዕላ ጌሩ። እዚ እናኾነ፥ ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ምዃና ንጸጥታኣ ጥራይ ዘይኮነ ን ቊጠባኣ እውን
ዘደንፍዕ ፍጻመ እዩ ክብሉ YLE ቃለመሕትት ዘካየደሎም ክኢላታት ገሊጾም። እዚ ፍጻመ ኣብ ፊንላንድ ዝህሉ ጸጥታ ዝመልኦ
ኲነታት ምኽንያት ብምግባር፥ ወፍሪ ኮርፖሬይት ከም ዝውስኽ ዝገብር እዩ ክብል፥ ዳይረክተር ወፍሪ ፊንላንድ ኣንቲ ኦሞ ገሊጹ።
“ብምኽንያት እዚ ኣባልነት፥ ናይ ወጻኢ ኲባንያታት ኣብ ፊንላንድ ትካል ባተሪ ወይ ማእኸል ዳታ ንምትካል ክብህጉ ክንርኢ ኢና”
ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ፊንላንድ ምስ ሩስያ ሰፊሕ ናይ ሓባር ዶብ ዘለዋ ምስ ምዃና፥ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝተፈጸመ ወራር፡ ክካየድ
ተሓሲቡ ዝነበረ ወፍሪ ዓጊቱ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን እዩ። በዚ ድማ እዚ ኣባልነት ሒዝዎ ዝመጽእ ውሕስነት ጸጥታ፡ ኣብ
ፊንላንድ ዕድላት ቢዝነስን መፍረ ቴክኖሎጂ ምክልኻልን ከም ዝዓቢ ክገብር ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ፊንልድ ካብ ሃገራት ዩሮዞን ብዝልዕል ደረጃ ምስ ሩስያ ዝጸንሓ ቊጠባዊ ምትእስሳር ዝዓበየ ምንባሩ ጸብጻብት የመልክቱ።