ፊንላንድ፡ ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ኣዊጃቶ ዝነበረት እገዳ መገሻ ካብን ናብን ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓን (ሃገራት ኖርዲክ) ከምዘልዓለቶ እኳ እንተሓበረት እቲ ውሳኔ ንሽወደን ዝነጸለ ምዃኑ ክትብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ማርያ ኦዊሳሎ፡ ሓቢራ ክብል TT ገሊጹ።
እቲ ውሳነ ካብ ዝቕጽል ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ንኢስቶንያ፡ ላትቪያ፡ ሊትዋንያ፡ ዴኒማርክ፡ ኖርወይን ኣይስላንድን ዘጠቓለለ እዩ።
ሽወደን ኣብቲ ውሳኔ እትውቲ ዘይገብራ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ህሉው ኩነታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምዃኑ ካብ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ፡ ሄልሲንኪ፡ ዝፍነዋ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።