ክሳብ 400 ሚልዮን ክሮና ዝዋግኡ ቅብኣታት፡ ስነ ቅርጻ ከምኡውን ጥንታዊ ኣቕሑ ሩስያ ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን ብ ሰብመዚ ጒምሩኽ ፊንላንድ ከም እተታሕዘ ኖርወይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እዚ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ፊንላንድ ቫሊማ እዩ ተፈጺሙ ክብል ዋሺንተን ፖስት ዝተባህለ ሰፊሕ ተነባብነት ዘለዎ ጋዜጣ ጸብጺቡ’ሎ። እዚ ስነጥበባዊ ስራሓት ኣብ ጋለሪታት ጃፓንን ኢጣልያን ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣብያተ መዘክር ሩስያ ክምለስ እናበለ እዩ ብሰብ መዚ ግምሩኽ ፊንላንድ ተታሒዙ ዘሎ። እዚ ምትሓዝ ንብረት ኣካል ናይቲ ሩስያ ንዩክሬይን ድሕሪ ምውራራ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝንበሮ እገዳ እዩ። ግምሩኽ ፊንላንድ መርመራ ከም ዘካየደን ነዚ ጒዳይ ከኣ ምስ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ኮይኑ ክሕዞ ምዃኑን ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ገሊጹ’ሎ።