ካብ መዕርፎ ነፈርቲ “ቻርለስ ደ ጎል” ነፋሪት ከብርር ኣብ ዝተመደበሉ እዋን፥ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳዱ ብ መርመራ እተረጋገጸ
ኣመሪካዊ ፓይለት፥ ተፈሪዱ።
እዚ 63 ዝዕድሜኡ ፓይለት ‘መንገዲ ኣየር ዩናይትድ” ናብ ዳላስ–ቴክሳስ– ቅድሚ ምብራሩ እዩ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ “ቻርለስ
ደ ጎል” ብፖሊስ መርመራ ትንፋስ ተጌሩሉ። ኣብ ኤውሮጳ ንዝነብሩ ፓይለታት ካብ ዝፍቀድ ሕጋዊ ገደብ፥ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ
ኣልኮላዊ መስተ ምስታዩ ከም እተረጋገጸን፥ ዝሓለፈ ብሰሉስ ካብ ፓሪስ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ “ቦቢግኒ” ንሽዱሽተ
ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊኡ ዝጸንዕ ማእሰርቲ ፈሪድዎ።
እዚ ብ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ “ሄንሪ ደብሊው” ተባሂሉ ዝተሰምየ ፓይለት፡ ቅድሚ ምሸት ክልተ ብርጭቆ ወይኒ ጥራይ ከም
ዝሰተየ ንቤት ፍርዲ እኳ እንተገለጸ፡ ብ ሰንበት 23 ሓምለ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ሰኺሩ ሰንደልደል ይብል ምንባሩ፥ ኣዒንቱ ደም
ሰሪቡ፥ ድምጹ ኸኣ ናይ ስኽራን ጒትት ይብል ምንባሩ" ሓደ በዓልመዚ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምስክርነቱ ሂቡ’ሎ።
እቲ ፓይለት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ስራሕ ክቕጻዕ፡ 4500 ዩሮ ክኸፍል፥ ናይ ሓደ ዓመት ፍቓድ ፓይሎቱ ክእገድን ቤት ፍርዲ ውሳነ
ኣሕሊፉ’ሎ። ብዘይካዚ እዚ ፓይለት ኣብ ኣሜሪካ ተወሳኺ ሞያዊ እገዳ ከጋጥሞ ተኽእሎ ኣሎ።