ናይ ኦሚክሮናዊ ጅር ቫይረስ ምስፍሕፋሕ ንምቕናስ ብዝብል፡ መንግስቲ ፈረንሳ ካብን ናብን ዓባይ ብሪጣንያ ንዝግበሩ ኩሎም ዓይነታት ዘየድልዩ ወይ ድማ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ጉዕዞታት ንግዚኡ ከምዘቋረጸት ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቶም እገዳታት ድማ ካብ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም ተግባራዊ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ።
ንቱሪዝምን ንስራሕ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ከም ኣገደስቲ ጉዕዞታት ኣይቁጸሩን እዮም። ይኹን እምበር ናይ ፈረንሳን ሕብረት ኣውሮጳን ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።
“ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ እገዳታት ንላዕሊ፡ ናይ ቁጽጽር መስርሓትና ኣጽኒዕና ከነሐይሎም ኢና” ክብል ወሃብ ቃል መንግስቲ ፈረንሳ፡ ጋብሪኤል ኣታል ንBFM ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቶም ናብ ፈረንሳ ዝኣትዉ ሰባት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተገብረ PCR ተባሂሉ ዝፍለጥ መርመራ ዝወሰዱ ኾይኖም ካብ ሕማም ናጻ ምዃኖም መርትዖ ከቕርቡ ኣለዎም። ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ናይ PCR መርመራ ውጽኢት ግና ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ዝብል ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ምእታዎም ድማ እቶም ገያሾ ንሸውዓተ መዓልታት ንባዕሎም ክውሽቡ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ ሓድሽ ናይ ኮቪድ መርመራ ወሲዱ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ እንድሕር ኣመስኪሩ ካብቲ ናይ ዕጽዋ ማእከል ድሕሪ 48 ሰዓታት ክወጽእ ከምዝኽእል ተፈሊጡ’ሎ።
“እቲ ንኽተሎ ዘለና ስልቲ፡ ኣብ ሃገርና ናይ ኦሚክሮን ምግዋሕ ብዝተኻእለ መጠን ንምድንጓይን እቲ ግዜ ድማ ተወሳኺ መጠን ናይ ክትባት ንምቕራብ ክንጥቀመሉ ምግባር እዩ” ክብል ኣታል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሮቡዕ ጥራሕ ኣስታት 78,619 ዝበጽሑ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት ተመዝጊቦም፥ እዚ ቑጽሪ ድማ ስጋብ ሕጂ ካብዝተመዝገበ እቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ርክብ እዘን ክልተ ሃገራት ኣዝዩ እንዳዘሓለ ዝመጸ ኾይኑ፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ጀሚሩ ክሳብ ኣታኣላልያ ናይ ስደተኛታት ብዝብል ምስምስ ብዙሓት መታረኽቲ ዛዕባታት ኣብ ሞንጎኦም እንዳማዕበሉ ከምዝመጹ ዝዝከር እዩ።
ኣብዝሓለፈ ሰሙን ከይተረፈ፡ ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ማክሮን፡ ቦሪስ ዮህንሶን ሃገሩ ካብቲ ሕብረት ክትወጽእ ከላ ብዛዕባ ዝተኸተሎ መስርሕ ኣመልኪቱ ሓያል ነቐፌታ ከምዘቕረበ ዝፍለጥ’ዩ።
“እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርአ ዘሎ ጸገም፡ ክንገብሮም ኢና ዝብልዎም ነገራት ምግባር ዘይምኽኣሎም እዩ” ክብል ማክሮን ይወቅስ።