ፈረንሳውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብመትረብ እንግሊዝ (ኢንግሊሽ ቻነል) ኣቢሎም ናብ 3 ወደባት ዓዲ እንግሊዝ ዘካይድዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ይኹን ብመንገዲ መራኽብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ኣቕሑት ምምልላስን ጉዕዞታትን፡ ክቋረጽ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ መንግስቲ ፈረንሳ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምውጻኣ፡ ናይ ፈረንሳ፡ ዓሳ ናይ ምግፋፍ መሰላት ገደብ ስለዝተገብረሎም፡ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ውሳነ ድማ፡ ነዚ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ንምቅዋምን ከም ናይ “መጠንቀቕታ ቶኽሲ” ምዃኑን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እንግሊዝ ብወገና፡ በዚ ፈረንሳ ክትወስዶ ትሓስብ ዘላ ውሳነ፡ ጽቡቕ ከምዘይተሰማዓ ብምግላጽ ከምዚ ክትብል መልሲ ሂባትሉ ኣላ፡
“ንግዳዊ ንጥፈታት ከይተዓናቐፉን ዘይሕጋዊ ስጉምታት ከምዘየለውን ምርግጋጽ፡ ናይ ፈረንሳ ሓላፍነት እዩ” ክብል ወሃቢ-ቃል ናይ ቀዳማይ ሚኒስቴር ቦሪስ ጆንሰን፡ ብሓሙስ ኣፍሊጡ።
እዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጭቕጭቕ፡ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ኾይኑ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ናይ ንግዳዊ ኲናት ከምርሕ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
ኣቐድም ኣቢላ ፈረንሳ፡ ካብ እንግሊዝ ዝመጻ መራኽብ፡ ጽዕነተን ኣብ ወደባታ ንኸየራግፋን ካብ እንግሊዝ ንዝኣቱ ኣቕሑት፡ ብደቂቕ ክትቆጻጸር ምዃናን ከምዘጠንቀቐት ዝዝከር’ዩ።
ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን፡ ነዞም ትርር ዝበሉ ስጉምታት ካብ ምውሳድ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ብምይይጥ ንኽፍታሕ ዕድል ክህብ ድልየት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።