ማሊ ምስ ትካል ጸጥታ ሩስያ እትገብሮ ዘላ ውዕል ከተቋርጾ ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ ፍሎረንስ ፓኽሊ ኣጠንቂቑ።
ኣዘዝቲ ዘራዊት ማሊ ካብ ጒጅለ ቫግነር ዕሱባት ሰራዊት ክሽምቱ ከም ዝደልዩ ገለ ምንጪታት ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። እዚ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ውዕል እዩ ዝበለ ፓኽሊ ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ ግብረሽበራዊያን ንምውጋድ እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ዘተኣጓጒል እዩ ክብል ወሲኹ ኣጠንቂቑ።
ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምውሳኽ ብመሰረት ዘለዋ ባህጊ ዕሱብ ጒጅለ ቫግነር ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ከም ዝንቀሳቐስ ጸብጻባት የመልክቱ።
ብፍላይ ኣብቲ ሩስያ ናይ ዕደና ረብሓ ዘንበረትሉ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ቫግነር ኣንጻር መንግስቲ ንዝቃለሱ ሓይልታት ኣብ ምምካት ከም ዝርከብ ይፍለጥ።