ጸጋማይ ሰልፊ ብዛዕባ ሰደድ ኣጽዋር ናብ ቱርኪ ኮነ ተባሂሉ ብመንግስቲ ግጉይ ሓበሬታ ክወሃቦም ጸኒሑ’ሎ ኢሉ ከም ዝኣምን ኣፍሊጡ። በዚ ድማ ንሽማግለ ሕጊ ባይቶ ንስለስተ ሚኒስተራት መንግስቲ ሉፈን (ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኣን ሊንድ፥ ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆንሰንን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዱምበርግን ) ከዘራርብ ሓቲቱ’ሎ።
ዝሓለፈ ጥቅምቲ ቱርክ ኣብ ሰሜናዊ ሶርይ ንዝርከብ ንኩርዳዊ ዓዲታት ድሕሪ ምጥቃዓ ናብ ቱርኪ ዝለኣኽ ዝነበረ ሰድደ ኣጽዋር ደው ክብል ንመንግስቲ ሉፈን ጻውዒት ክግበረሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።፡እንተኾነ ግና ብዙሓት ሚኒስተራት ሽወደን እዞም ሰደዳት ወተሃደራዊ ናውቲ እምበር ኣጽዋር ኣይኰኑን ኢሎም ክምልሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ኣፈኛ ወጻኢ ፖሊሲ ጸጋማዊ ሰልፊ ሃካን ስቨንሊንግ እዚ ጒዳይ ሸፈጥ ምዃኑን ሰለስተ ሚኒስተራት ብዛዕባዚ ንባይቶ ቃሎም ክህቡ ምሕታቱ ድማ ተፈሊጡ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት” ብዛዕባ ናብ ቱርክ እተሰደ ኣጽዋር ቅኑዕ ሓበሬታ ኣይተዋህበን” ክብል ድም ወቒሱ’ሎ።