ኣብ ብራዚል፡ ጫካ ኣማዞን፡ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምብራስ ኣግራብ ደው ንኽብል ዓመታዊ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ረድኤት ከም ዘድሊ ፕረዚደንት ብራዚል፡ ሃይር ቦልሶናሮ፡ እኳ እንተገለጸ እቲ ምቚራጽ ኣግራብ ብዓቢ ደረጃ ከም ዝቐጸለን በዚ ድማ መነባብሮኦም ኣብቲ ጫካ ዝኾኑ ገለ ቀቢላታት፡ ህይወቶምን ቀጻልነቶምን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ ተመልኪቱ።
እዞም ኣብ ጫካታት ብራዚል ዝነብሩ ቀቢላታት፡ ምስቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ከየተራኸቡ፡ ጥንታውን ምስ ጥዕና ኣከባቢ ዘይጻባእ ህይወት ከም ዝነብሩን ዝፍለጥ እዩ። ሓደ ካብዞም ቀቢላታት፡ ኣዋ ዝተባህለ ጥንታዊ ዓሌት ቀያሕቲ ህንዳውያን እዩ።
ሰርቫይቫል ኢንተርናሽናል፡ ዝተባህለ ናይ ረድኤት ትካል፡ ነዚ ቀቢላ “ሓደ ካብቶም ህላዌኦም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ህዝቢ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።
ካብ ነሓሰ 2019 ክሳብ ሓምለ 2020 ጥራይ ልዕሊ 11ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትር ጫካ ኣማዞን ከም ዝበረሰ ይፍለጥ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ምቚራጽ ኣግራብ ኣማዞን ኣብ ዓመተ 2030፡ ጨሪሹ ደው ንኽብል ተዓጢቑ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።