ሽወደን ስም ኣልቦን ኣቐዲሙ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉን ዝነበረ ካርድ ቴለፎናት ንምኽልካል ሓድሽ ሕጊ ንምፍጻም ኣብ ምቅርራብ ከም እትርከብ ተገሊጹ። መንግስቲ ሽወደን ንባይቶ እታ ሃገር ስም ኣልቦን ኣቐዲሙ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉን ዝነበረ ካርድ ቴለፎናት ንምኽልካል ዘኽእል ሓድሽ ንድፊ ከቕርብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ጒጅለታት ገበን በዚ ኣገባብ ብ ኢንተትነትን ናይ ሞባይል ፎንን ብዙሕ ወንጀላት ይፍጽሙ ብምህላዎም እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ሕጊ ተግባራዊ ምስ ኮነ ገዛእቲ ካርድ ቴሌፎን ወረቐት መንነቶም ብምርኣይ ጥራይ እዮም ክገዝኡ ዝኽእሉ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዳምበርግ እዚ ጉዳይ ንፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ኣሸጋሪ ኮይኑ ምጽንሑ ኣመልኪቱ’ሎ። ጒጅለታት ሽበራ ሶርያን ዒራቕን ናይ ሽወደን ካርድ ቴሌፎን ይጥቀሙ ምንባሮም እውን ገሊጹ።
መንግስቲ ሽወደን ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ነዚ ንድፊ ናብ ባይቶ ከቕርቦን ነዚ ስም ኣልቦን ኣቐዲሙ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉን ዝነበረ ካርድ ቴለፎናት ንምኽልካል ዘኽእል ሕጊ ክትግብር ክጅምርን ትጽቢት ኣሎ።