ጠፊኦም ኔሮም እተረኽቡ ግጥሚታት: ኤሚሊ ብራንቴ: ዋግኦም ክሳብ 1 ሚልዮን ፓውንድ: ክበጽሕ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።
እዚ ብኢድ ዝተጻሕፈ ግጥምታትን ስርሓት: ሮበርት በርንስን: ዘጠቓለለ ጨረታ ኣብ ሶዘቢስ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ዋንነት: ላይብረሪ ሆርስፊልድ: ምዃኑ ዝተነግረሉ ግጥምታት ኤሚሊ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ከም እተረኽበን: ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ጨረታታት ክሽየጥ ተዳልዩ ምህላዉን: ካብ 800 ሽሕ ክሳብ 1 ሚልዮን ፓውንድ ክሽየጥ እዩ ዝብል ግምታት ከም ዘሎን ተመልኪቱ።
ብዘይካ’ዚ: ፈላማይ ንድፊ ናይታ Wuthering Heights እትብል ልቢወለዳዊት ስራሕ ኤሚሊ ካብ 200ሽሕ ክሳብ 300 ሽሕ ፓውንድ ከውጽእ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኤሚሊ ብራንተ: ኣብ ዘመነ ህይወታ: ዝኾነ ዓይነት ተፈላጥነት ከም ዘይነበራ: ዘመልከተ ጸብጻብ ቢቢሲ: ኣብ 1847 ነታ ኣዝያ ፍትውቲ ልቢወለዳዊት መጽሓፋ Wuthering Heights ከም ዝደረሰት ይገልጽ።