ኣብ ከተማ ዮንሾፒን፡ ጠፊኡ ተባሂሉ ብፖሊስ ክድለ ዝጸንሐ ሓደ ተማሃራይ ቆልዓ ከምተረኽበ ተሓቢሩ።
ምምሕዳር ናይታ ወዲ 7 ዓመት ዝኾነ ቆልዓ ዝመሃረላ ቤት ትምህርቲ፡ ናብ ወለዱ፡ ብምድዋል ስለምንታይ ከምዘብኮረ ምስ ሓተቱ፡ እቶም ወለዲ፡ ደንጽይዎምን ሰንቢዶምን። ምኽንያቱ፡ ነቲ ቆልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብጺሖሞ ስለዝተመልሱ። ብድሕሪኡ ተቐላጢፎም፡ እቶም ወለዲ፡ ንፖሊስ ሓቢሮም ክብል ጋዜጣ ዮንሾፒን ፖስተን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ።
ፖሊስ፡ ከይዶንጎየ ቆልዓ ናይ ምድላይ መስርሕ ብምጅማር፡ ከምቲ ልሙድ ናብተን ጎረባብቲ ገዛውቲ ክሓቱ ጀመሩ። ይኹን እምበር ውጽኢት ኣይተረኽበን።
ሓደ ካብ ኣባላት ፖሊስ ግን፡ ኣብ ንሱ ዝጥርጥሮን ብዙሕ ሰብ ዘይጽበዮን ቦታ ከይዱ ብምድላይ፡ ነቲ ጠፊኡ ተባሂሉ ዝድለ ዝነበረ ቆልዓ ረኸቦ። እቲ ቆልዓ፡ ኣብ ትሕቲ ዓራቱ ኣብ ዓሚቕ ድቃስ ተዋሒጡ ጸንሐ።