ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝጸዓኖ እገዳታት ከልዕል: ጎረባብቲ ሰሜን ኮርያ ዝኾና ሩስያን ቻይናን ጻውዒት ክገብራ እየን።
ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ካብ ዝተስገደዱ ብፍላይ ምሽማት ዓለባ: ፍርያት ባሕሪ ከምኡውን ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይሰርሑን ደሞዞም ናብ ዓዶም ከይልእኩን ዝድንግግ እገዳታት ክለዓሉ ዝሓትት እማመ: ቻይናን ሩስያን ከቕርባ እየን።
እዚ እማመ ካብ ዘቕርቦ ምኽንያታት: ብሰንኪ እቲ እገዳታት ኣብታ ሃገር ዝተጋደደ ሰብኣዊ ኲነታት፥ ናህሪ ዋጋታት መድህኒትን ካልእ ኣገደስቲ ጥረ ነገራትን ተጠቒሱ’ሎ።
ምስ ፕሮጀክት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ብዝተተሓሓዘ: ኣብታ ሃገር ካብ 2006 ኣትሒዙ እገዳታት ተነቢሩ ከም ዝጸንሐን እዚ እማመ ተቐባልነት ክህልዎ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይብሎምን ንዲፕሎማሰኛታት UN ብምጥቃስ ኣጃንዝ ፕረስ ሓቢሩ።