ዓመጽ ምጥቃም፡ ምፍርራሕን ንኻልኦት ምጕዳእን ክልኩል እዩ። እቲ ዓማጺ ናይ ካልኦት ሰብኣዊ መሰላት ይግህስን ገበን ይፍጽምን። ንዓመጽ እንተ ተቃሊዕካ ናትካ ጌጋ ኣይኮነን። ንዕቝባን ደገፍን መሰል ኣለካ
ዓመጽ እንታይ እዩ?
ዓመጽ ዝተፈላለየ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወሲባዊ፡ ቍጠባዊን ንዋታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓደ ሓደ ኣብነታት ናይዚ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሌኺ እዚ ዝስዕብ ምስ ዝፍጽም እዩ፡
- ይሃርመኪ፡ ይረግሓኪ ወይ ይደፍኣኪ
- ገለ ሕማቕ ጸርፊ ይጸርፈኪ ወይ ሕማቕ ኢኺ ይብለኪ
- የፈራርሓክን ክትገብርዮ ዘይትደልዪ ነገር ክትገብሪ የገድደክን፡ ወይ ገለ ክትገብርዮ ትደልዪ ነገር ንኸይትገብርዮ ይኽልክለኪ
- ኣብ ልዕሊ እቲ ትገብርዮ ይቆጻጸር፡ ንኣብነት ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ (ኤስኤምኤስ) እንዳ ሰደደ እንታይ ትገብሪ ከም ዘለኺ ወይ ኣበይ ከም ዘለኺ ክፈልጥ ይደሊ ናትኪ ሞባይል፡ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ይፍትሽ
- ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ይጭቕጭቐኪ። ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ከለኺ ኣንጻር ድልየትኪ ይስእለኪ ወይ ፊልም የልዕለኪ። ኣንጻር ድልየትኪ ስእሊ ናይ ክዳን ከይገበርኪ ወይ ጾታዊ ርክብ እንዳ ፈጸምኪ ክዝርግሖ። ንዝተፈላለየ ናይ ጾታዊ ርክብ ተግባራት ክትገብሪ የገድደኪ። ጾታዊ ዓመጽ።
- ኣብ ልዕሊ ናትኪ ቍጠባን ገንዘብን ይውስን። ናትኪ ናይ ባንክ ካርድን ውልቃዊ ቍጽርን (ፒንኮድ) ይወስድ።
- ናትኪ ንብረት ንኣብነት ናትኪ ተንቀሳቓሲት ተለፎን ይሰብር
- ንናትኪ ናይ ገዛ እንስሳ ክጎድእ ወይ ክቐትል እየ ኢሉ የፈራርሓኪ።
መን እዩ ዝዕምጽ?
መብዛሕትኡ ግዜ ሰብኡት እዮም ዓመጽ ዝጥቀሙ። ሰብኡት እውን ዝበዝሕ እዋን ካብ ገዛ ወጻኢ ብዘይፈልጥዎም ሰብኡት ንዓመጽ ይቃልዑ እዮም። እዚ ነተን ኣብ ገዛን ኣብ ደገን ኣብ ክልቲኡ ዓመጽ ክፍጸም ዝኽእል ኣዋልድን ኣንስትን ፍሉይ ይመስል። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዘተግብርዎ ዓመጽ ካብ ናይ ቀረባ ዘመድ እዩ። እታ ሰበይቲ ኣብ ገዛ ካብ ትፈልጦን ካብ ጽግዕተኛ ክትኮነሉ ትኽእል ሰብን ግዳይ ትኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዓመጽ ዝፍጽሞ ሓደ ብጻይ እዩ፡ ግን ሓደ ቈልዓ፡ ሓደ ሓዊ ወይ ካልኦት ኣዝማድ እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣዋልድን ኣንስትን ካብ ገዛ ወጻኢ ብዘይፈልጠኦም ሰብኡት ንጾታዊ ምስርጣይ ክቃልዓ ወይ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ክኾና ይኽእላ እየን።
ስልጣንን ቁጽጽርን
ጐነጻዊ ተግባራት ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ቁጽጽርን ስልጣንን ክደሊ ከሎ ይፍጸም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ናይ ጐነጽ ውገዳ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ጽሑፋዊ መፍለጢ፡ ዓመጽ ብስነኺ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕርነት ዘይምህላው እዩ ኢሉ ይጽሕፍ። ዘይማዕርነት፡ ሰብኡት ከም ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣድልዎ ክፍጽሙን ንዓመጽ ከቃልዕወንን ሓይሊ ኣለዎም ማለት እዩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ንማዕርነት ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ናይ ሰብኡት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ደው ክብል ኣለዎ ዝብል ዕላማ ኣለዎ።
ምስ ዓመጽ ዝነብሩ ቈልዑን መንእሰያትን
ቈልዑ ብስድርኦም ግዳይ ዓመጽ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ’ውን ሓንቲ ወላዲት ክትፈራራሕን ክትህረምን እንተ ርእዮም ክጕድኡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዓመጽ በቲ ሃራምንን ተሃራምንን ክልቲኦም ክነኣኣስን ክከሓድን ዝውቱር እዩ። ግን ቈልዑ ይሰምዑ፡ ይርእዩን ይስምዖምን እዩ።
እቲ ፍርህን ሻቕሎትን ናይ ዓመጽ ናይቲ ቈልዓ ጥዕና ብቐጥታ ይጽልዎ እዩ። ግን ኣብ ገዛ ዓመጽ ዝተመኮሩ ቈልዑ ዳሕራይ ኣብ ሂወቶም ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸገም እውን ከምጽኣሎም ይኽእል እዩ። ብዙሓት ቈልዑ ብዛዕባ ተመኩርኦም ክዛረቡ የሸግሮም ስለ ዝኾነ ነቲ ዓመጽ ክርድእዋን ከሰላስልዎን ይብርትዖም እዩ። እቲ ቈልዓ ንወለዲ ክከላኸለሎም ክፍትንን ናተይ ጌጋ እዩ ኢሉ ሓላፍነት ክስከምን ዘይንቡር ኣይኮነን።
ኣብ ዓመጽ ዘለዎ ቤት ዝነብሩ ቈልዑ ከተስተብህለሎም ኣገዳሲ እዩ። ፍሉይ ደገፍን ሓገዝን ከድልዮም ይኽእል እዩ።
እቲ ንእሽተይ ብወለዱን ኣሕዋቱን፡ ግን ብብጻይ ወላዲት ወይ ወላዲ እውን ግዳይ ዓመጽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ብዛዕባ ቁጽጽር ኣብ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን፡ ገሃስቲ ቃላትን ጾታዊ ዓመጽን ክከውን ይኽእል እዩ። ናእሽቱ ከም ጸገም ኣብቲ ዝምድና እምበር ከም ዓመጽ ዘይኮነ ገይሮም ክርድእዎ ይኽእሉ እዮም።

ብፍሉይ ግዳይ ዝኾኑ ጕጅለታት
ድኹም ደግፍ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘለዎም ጕጅለታት ካብቶም ካልኦት ንላዕሊ ግዳይ ዓመጽ እዮም። እቲ ብፍሉይ ግዳይ ዝኸውን ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ጽግዕተኛ ናይ ካልእ ሰብ እዩ። እቲ ሰብ ካብ ሕብረተ ሰብ ኣየናይ ሓገዝን ኣየናይ ደገፍን ከም ዝረክብ፡ እቲ ኣንጻር እቶም ጕጅለ ኣቐዲምካ ከይፈለጥካዮም ዝበሃብ ፍርዲ ይጸልዎ እዩ። ኣብ ውሽጢ ነፍስ ወከፍ ጕጅለ ፍልልያት ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን ኣባል ናይ ብዙሓት ጕጅለታት ክኽወን ይከኣል እዩ።
ዕድመ ዝደፍኣ ደቂ ኣንስትዮ
ሓማም፡ ስንክልናን ጽምዋን ነታ ብዕድመ ዝደፍኣት ሰበይቲ ብዝያዳ ጽግዕተኛ ናይ ካልኦት ሰባት ይገብራ። ዘይተረኣይነትን ወልፍን ናብ ተኽእሎ ናይ ዝያዳ ዓመጽ የምርሑ።
እቲ ዓመጽ ዝተፈላለየ ዓይነት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኣ ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ናይ ኣቓልቦ ዘይምርካብ እውን ይኾና እየን። እዚ ንኽሕጸባ ወይ መድሃኒተን ንኽወስዳ ሓገዝ ዘይምርካብ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዓመጽ ዝጥቀም ዘሎ ሰብ ሰራሕተኛ ሓልዮት ወይ ሃደ ዘመድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ወልፊ/ዘግቡእ ምዝውታር ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ
ዓመጽ ሓደ ንቡር ክፋል ምዓልታዊ ሂወት ናይ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን ብዘይ ግቡእ ዘዘውትራ ደቂንስትዮ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግዳያት ናይ ብዙሓት ገፋዕቲ ይኾና። እዚ ሓደ ብጻይ፡ ሰራሕተኛ ክንክን (ሓልዮት)፡ ፖሊስን ካልኦት ወልፈኛታትን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ስንክልና ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ
ንሓደ ስንክልና ዘለዎ ሰብ፡ ዘይተረኣይነት፡ ጽግዕተኛ ናይ ካልኦትን ሓደ ፍሉይ ተኣፋፍነትን ብሕልፊ ግዳይ ናይ ዓመጽ ይገብሮ።
ናይ ወጻእተኛ ድሕረ–ባይታ ዘለውን ደቂ ኣንስትዮ
ናይ ቋንቋ ጸገም፡ ተገሊለን ብዘይ ርክብ ምስ ካልኦት ሰባት ዝነብራን ሕማቕ ኣፍልጦ ብዛዕባ ናተን መሰላት ዘለወንን ደቂ ኣንስትዮ ኣውራ ግዳያት ክኾና ይኽእላ እየን። ሕማቕ ቍጠባን ጽግዕተኛነት ኣብቲ ዓመጽ ዝጥቀምን፡ ግዳይ ናይ ዓመጽ ንሙኳን ዘሎ ተኽእሎ እውን የዛይዶ እዩ።
ሕማቕ ፍልጠት ናይ መሰላት፡ እታ ጓልንስተይቲ ሓገዝ ከም ዘይትደሊ ይገብራ ይኸውን። ከምኡ’ውን እቲ ዓመጽ ብሓደ ባህሊ ክግለጽን ከም ዓመጽ ንኸይርኣይን ተኽእሎ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኵለን ኮሙናት ኣሎ። ግዳይ ናይ ዓመጽ እንተ ዄንኪ ወይ ኵነታትኪ ጽቡቕ ዘየለ ኾይኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓገዝን ደገፍን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ምንጪ: information om sverige