ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ቱርክን ሶርያን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥምድሪ ልዕሊ 20,000 ሰባት ምሟቶም ኣብ ዝነገረሉ ዘሎ እዋንምሉእ ኣሃዝ እዚ ዕንወት ገና ከም ዘይተፈልጠ UN ኣጠንቂቑ። ብፍርስራስ እተጸቕጡ ሰባት ኣብ ምድሓን እተዋፈሩ ሰባትክሳብ ሕጂ ስርሖም ይቕጽሉ እኳ እንተለዉ፡ ድሕሪ ኣርባዕተመዓልታት ተስፋታት እናቐሃሙ ምምጽኡ ገሊጾም ኣለዉ። ኣዝዩእቶም ሕጂ ብምኽንያት ሓደጋ ብዘይ መጽለሊ፡ ማይን መግቢንተሪፎም ዘለዉ ኣሽሓት ደሓንቲ ብምኽንያት ዝሑል ኲነታትኣየር ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ይርከብ ኣሎ።
ኣብቶ ቦታ ኣህጉራዊ ናይ ተራድኦ ስራሕ ይዕመም ምህላዉ፡ ትማል ሓሙስ ከኣ ባንክ ዓለም ከኣ ንቱርክ ናይ $1.78 ቢልዮንሓገዝ ክህብ ምዃኑ ምምብጽዑ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ።