ቤት ፍርዲ ግብጺ ንህብብቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሳንዓ ሰይፍ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሕኪ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ኮይና ስለ ዝረኸባ ን 18 ኣዋርሕ ክትእሰር ከም ዝበየነ ቢቢሲ ሓቢራ።
ሳንዓ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ናብ ፖሊስ ክሲ ከተቕርብ እናተንቀሳቐሰት እያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ። ድሕሪ’ዚ፡ ኣኽባር ሕጊ ሰንዓ ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ግብጺ ብዛዕባ ዘሎ ኣታሕዛ ኮቪድ-19 ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሕ ብዝብል ጒዳይ ከም ዝኽሰሳ ድማ ተፈሊጡ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግን፡ ሳንዓ፡ በቲ እትገብሮ ንጥፈት፡ መንግስቲ፡ ስለ ዘይደለዮ እዩ፡ ብሓሶት ዝኸሳ ዘሎ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ ኔሩ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ፕረሲደንት ኣልሲሲ ዘካየዶ ዘሎ ዘይንቡር ዓፈና ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ ከቃልዑ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ማእሰርቲ ናይቲ ኣብ 2013 ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ እተመርጸ፡ ፕረሲደንት መሓመድ ሙርሲ፡ ዝሰዓበ ተቓውሞ ብርክት ዝበለ ዓፈናታት ብመንግስቲ ኣልሲሲ ከም እተኻየደ ጸብጻባት የመልክቱ።
ጓል 26 ዓመት፡ ሰንዓ፡ ካብ ንጡፋት ስድራ እያ ትውለድ። ጓል መዋቲ መምህር ዪኒቨርሲቲ ካይሮን ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣሕመድ ሰይፍ ኣልኢስላም፡ እያ። ኣዲኣ ላይላ ሱዒፍ ድማ ህብብቲ ኣክቲቪስት፥ ሓዋ ዓላእ ዓብደልፈታሕ ከኣ ብሎገርን ኣክቲቪስትን ኮይኑ ካብ 2019 ንደሓር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።