ሰብ ሞያ ስነዂዕታ ግብጺ፡ ሓደ ኣገዳሲ ኣርኪኦሎጂያዊ ዳህሳስ ምፍጻሞም ገሊጾም ኣለዉ። ሓንቲ ካብተን ብፎርኦናት ተሃኒጻ ዝነበረትን ጸሓይ ዝምለኸለንን ዝነበራ 4 ህንጻ ቤተ መቕደሳት ምዃና እተነገረላ ህንጻ፡ በዚ ዝተኻየደ ኲዕታ ተረኺባ’ላ።
እዛ ህንጻ ካብ እትህነጽ 4500 ዓመታት ከም ዝገበረት እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ካብ ዝተገብሩ ዳህሳሳት እቲ ዝዓበየ እዩ ኣብ ዝተባህለሉ እዚ ኲዕታ ሰለስቲአን እተን ኣብያተ መቕደስ ክርከባ ምኽኣለን ተጸብጺቡ።
እዚ ኲዕታ እተገብረሉ ቦታ ካብ ከተማ ካይሮ ንደቡብ ሸነኽ ኣብ ዝርከብ ኣቡቐራብ ዝበሃል ቦታ እዩ። እቲ ቦታ ከምዚ ሕጂ ከይፈራረሰ እንከሎ ሰፊሕ ቀጽሪን ሓደ ነዊሕ ሓወልቲን ነይሩዎ።