ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ምስ ጅቡቲ ዘለዎ ዝምድና ንምድልዳልን ኢትዮጵያ ኣብ ገምግም ሩባ ኒል ብዛዕባ እትሃንጾ ዘላ ኣዘራራቢ ሓጽቢ ሚለንዬምን ንምዝታይን፡ ትማል ሰኑይ ን ፕረሲደንት ጅቡቲ ዑመር ገሌ ከም ዝዓደሞ ተፈሊጡ።
እዚ ፕረሲደንት ዑመር ገሌ ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ፡ ግብረመልሲ ናይቲ ኣልሲሲ ዓሚ ዝገብሮ ኣብ ጅቡቲ ዘካየዶ ታሪኻዊ ዑደት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣልሲሲ ናብታ ኣብ 1977 ናጻ ዝወጸት ጅቡቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸመ ፋልማይ ፕረሲደንት ግብጺ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ኣብዚ ልዝብ ክልቲኣቶም መራሕቲ ኣብ ጒዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ክዛተዩ እዮም ክብል ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ጸብጺቡ’ሎ።
ግብጺ ኣብ ጒዳይ ሓጽቢ ሚለንዬም፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዛጊት መዕለቢ ዘይረኸበ ክርክራት ምኽንያት ብምግባር፡ ነታ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ጅቡቲ ኣብ ጎድና ከተሰልፋ ካብ ዘለዋ ድሌት ተበጊሳ ነዚ ምድልዳል ዝምድና ትደልዮ ምህላዋ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ። ሱዳንን ግብጽን ነቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ሓጽቢ ኣመልኪተን ተቓውሞታተን ከስምዓ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እተኻየደ ልዝብ ሰለስቲአን ሃገራት ብዘይስምምዕ ምብታኑ ጸብጻባት የመልክቱ።