ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ፡ ኣብ ግሪኽ ብዘይጋጠመ ሓደጋ ባቡር ብውሕዱ 43 ሰባት ምሟቶም ተፈሊጡ። እዚ
ኣብ ታሪኽ ግሪኽ ዝኸፍአ ዝተባህለኡ ሓደጋ፡ ብ ሰንኪ ምግጫው ናይ ተጓዕዝቲን ናይ ጽዕነት ባቡርን ዘጋጠመ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኪርያኮስ ሚስቶታኪስ፡ ነቲ ሓደጋ እተፈጸመሉ ቦታ ትማሊ ድሕሪ ምብጻሕ “ብሰንኪ ጌጋ ሰብ ኣዝዩ
ዘሕዝን ዕንወት በጺሑ” ክብል ተዛሪቡ። ኣካያዲ እቲ መደበር ባቡር ብሸለልትነት ጠንቂ ምኽሳት እዚ ምግጫው ብምዃኑ
ክኽሰስ እንከሎ፡ ሚኒስተር መጓዓዝያ ኸኣ ብምኽንያት እቲ ዘሕዝን ድንገት ብፍቕዱ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ’ሎ።
እታ ባቡር 350 ሰባት ጽዒና ምንባራ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይ መድሕን ጒጅለ ብህይወት ዝተረፉ ኣብ ምእላሽ ከም ዝርከቡ ሬድዮ
ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ።