ጋስትራይት ወይ ሕማም ከስዐ እንታይ ማለት እዩ? ጋስትራይት ማለት ነድሪ ኣብ ቀጸላ ከስዐ ብውሽጢ ክጋጥም እንኮሎ ዘጋጥም ሕማም እዩ። ጋስትራይት ግዝያዊ ወይ ድማ ሕዱር ሕማም ክኸውን ይኽእል። ሕዱር ጋስትራይት ኣብ ዝተናወሐ ግዜ፡ ቀጽላ ከስዐ ንሓዋሩ ከም ዝረቅቕን ከም ሳዕበኑ ዋሕዲ ቪታሚን B12 የስዕብ።
ምልክታት ጋስትራይት
● ምልክታት ሕዱር ጋስትራይት ግዝያዊ ጋስትራይትን ተመሳሰልቲ እዮም።
● ዕግርግር ምባል
● ቃንዛ ከስዐ
● መንፋሕቲ ወይ ስምዒት መንፋሕቲ
● ተምላስ ሓደ ሓደ ግዜ ደም ዝተሓወሶ ተምላስ
ሑዱር ጋስትራይት ምስ ዝህልወና ተወሳኺ እዚ ዝስዕብ ቃንዛ ክሰመዓና ይኽእል
● ነድሪ፣ ቃጸሎን ከስዐ፣ ቀሓር
● ሸውሃት መግቢ ምጥፋእን
ጠንቂ ሕማም ጋስትራይት
● መልከፍቲ ብባክተርያ ወይ ቫይረስ
● ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብኣፍ ዝወሰድ መድሃኒት ምውሳድ
● ልዑል ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ
● ካብ ንእሽተይ መዓንጣ በጨቕ ኢሉ ናብ ከስዐ ዝፈስስ ሓሞት
● ሕዱር ረኽሲ ገፊሕ መዓንጣ ጠንቂ ሕዱር ጋስትራይት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ጸቕጢ ኣእምሮ (stress) ጠንቂ ጋስትራይት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ግዝያዊ ቃንዛ ክጋድድ ይኽእልን ዘይምችኡነት ክጋድድን ይኽእል እዩ።
ምልክታት ሕማም ከስዐ ወይ ጋስትራይት ምስ ዝስመዓና እንታይ ንገብር?
ምንጪ፡ www.gezondheidsplein.nl / Eritreeërs Gezond