ሓይልታት ኣመሪካን ኔቶን፡ ካብ ኣፍጋኒስታን እንተድኣ ወጺኦም፡ ጣሊባን ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ሕውየት ኣጥርዩ ንኣፍጋኒስትን ክቈጻጸራ ይኽእል እዩ ክብል፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣጠንቂቑ።
ብመሰረት ኣብ መንጎ ጣሊባንን ዝሓለፈ ምምሕዳር ኣሜሪካን ዝተበጽሐ ውዕል፡ ኲሎም ሓይልታት ኣመሪካ ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ወርሒ ካብታ ሃገር ጠቕሊሎም ክወጹ እዮም። እንተኾነ ግና ሚኒስተር ወጻኢ ጒዳያት ኣሜሪካ፡ ብሊንከን፡ ናብ ፕረሲደንት ኣፍጋኒስታን፡ ኣሽራፍ ቓኒ፡ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፡ ጉጅለ ጣሊባን መሊሱ ክጥጥዕ ተኽእሎታት ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ንጉጅለ ጣሊባን ንምእላይ፡ ኣብ 2001 ን ኣፍጋኒስታን ምውራሮም ዝዝከር እዩ። እዚ ወራር፡ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ 11 መስከረም ኣብ ኒዮርክን ዋሺንግተንን ዝተገብረ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ምምሕዳር ባይደን ነቲ ትራምፕ ዝኣተዎ ውዕል ደጊሙ ክትምርምሮ ከም ዝደሊ ምግላጹ ይዝከር። ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ውዕል፡ 10 ሽሕ ብኣመሪካ ዝምርሑ ሓይልታት ኔቶ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ካብታ ሃገር ክወጹን ጣሊባን ድማ ኣብ ጸጥታ እታ ሃገር ብዝምልከት ውሕስነት ከረጋግጹ ዝብል ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ጉጅለ ጣሊባን ዝኣተዎ መብጽዓ ብግቡእ ክፍጽም ድዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘለዋ ዝገለጸት ኣሜሪካ፡ እዚ ጒጅለ ዝፍጽሞ ጎነጽን ምስ ኣሸበርቲ ዘለዎ ርክባት ክበትኽን ቀንዲ ጠለባታ ምዃኖም ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ ጠለብ፡ እቲ ጒጅለ፡ 90 ካብ ጎነጽ ናጻ ዝኾና መዓልታት ከምኡውን ሃናጺ ኣህጒራዊ ርክባት ክሃንጽን ኣመሪካ ሓቲታ ኣላ።፥