ብመንገዲ ተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዝተመሓላላፈ ንኹሎም ሓለፍቲ ናይ ፓርላማ ሰልፍታት ዝሓቖፈ ክትዕ፡ ብጉዳያት ናይ ሓገዝ ኣገባባት ኢመግረሽንን ምኽንያት ብምግባር ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሽወደን መጥቃዕቲ ገይሮም። እቲ ከም ኣማራጺ ንሰልፍታት ተባሂሉ ዝስላዕ ባጀት ካብ መንግስትን ምምሕዳራትን ዝተዋጸአ እዩ። እንተኾነ እቲ ብምምሕዳራት ዝዋጻእ ባጀት ካብቲ ብመንግስቲ ዝስላዕ ባጀት ዝዓበየ ምዃኑ ሓለፍቲ ሰልፍታት ዓቃባዊ፡ ክርስትያን ዲሞክራት፡ ጸጋማዊ ይዛረቡ።
እቲ እንኮን ቀንዲ ዋሕስ ናይቲ ብመንገዲ መንግስቲ ንማሕበረ-ሰብ ሽወደን ዝወሃብ ናይ ሓገዝ ኣገባባት ዝኾነ እዚ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሓላፊ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ዝኾነ ስቲፋን ሎቪን ሓቢሩ። ብምቕጻል፡ ሶሻል ዲሞክራት ንቐጻልነት ንማሕበረ ሰብ ዝግበር ናይ ሓገዝ ስርዓት ከምዘረጋግጽን ከም ዝጽዕር ኣስሚርሉ። ካብ ልዑል ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ዝቑረጽ ዝነበረ ግብሪ ምንካይ ማለት ናይ ሊበራላውን ማእከልነትን ፖሊሲታት ምትእትታው ከም ዝኾነ ሓላፊ ጸጋማዊ ክንፊ ጆናስ ጃስቴድ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎቪን ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ ገሊጹ።
እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ፡ ማእከላውን ሊበራላውን ሰልፍታት ዝተበጽሕ ስምምዕ ምርኩስ ብምግባር ዘቕረቦ ነቐፌታ እዩ። ኣብ ባጀት ዓመተ 2020፡ ልዑል ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ዝኸፍልዎ ግብሪ ክጎድልን ኣብቲ ባጀት ክኣትውን ዝብል ስምምዕ እዩ። ኣብ መንጎ ሓላፊ ጸጋማይ ክንፊ ጆናስ ጃስቴድን ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ምምራጹ ኣብ ክትዕ ዝተሳተፈ ሓላፊት ሊብራላዊ ሰልፊ ንያምኮ ሳቦኒ ርሱን ዝኾነ ናይ ክትዕ ሃዋሁ ተራእዩ። ሳቦኒ ኣብ ዘረብኣ፡ ሰልፉ ናይ ዑቕባ ሕግታት መሰላትን ከምዘየኽብርን ንመንበሪኦም ዝምልከት ድማ ጸጋማዊ ሰልፊ ክወሓሶም ጸዊዓ። ኣብ ሽወደን ንኽነብር መሰል ዘይብሉ ሰብ ድማ ብቐጥታ ሃገር ገዲፉ ክኸይድ ከምዘለዎ ትዛረብ።