በዓል መዚ ስካትቨርከት (skatteverket) ሽወደን ኣብ ምዝገባ ህዝቢ ሽወደን ዘሎ ኮነ ኢልካ ዝግበር ምዝባዕ ኣድራሻ ካብ ፋይናንሳዊ ገበን ንምህዳም ዝግበር ዘሎ እዩ ክብል ሎሚ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ሓደ ካብቶም በዚ ዝተጸልወ ዜጋ በዚ ኮነ ኢልካ ዝግበር ምዝባዕ ሓበሬታ ምክላባት ከም ዘጋጠሞ ኸኣ ገሊጹ። ሕጊ ህዝባዊ ምዝገባ ካብ ዝተኣታቶ ክልተ ዓመቱ እኳ እንተገበረ ዛጊት ሓሙሽተ ሰባት ብምትላል ተታሒዞም ናብ ፍርዲ ምቕራቦምን ዛጊት 300 ገበናዊ መርመራታት ኣብ መስርሕ ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ክሳብ 12ሽሕ ዝበጽሑ ገበናዊ ስርሓት ብመልክዕ ጸብጻብ ይበጽሕዎ። ብዘይካዚ እቲ ልክዕ ቊጽሪ ካብዚ ዝዛይድ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ እዮም። ክልተ ኣዋርሕ ይገብር እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እቲ ልክዕ ኣድራሻኡ ከረጋግጸሉ ዝኽእለሉ ኣገባብ ጥራይ ዘይኮነ መን ይጥቀመሉ ምህላዉ ንኽፈልጥ ፈቲኑ እዩ። ” ዛጊት 6500 ዝኾኑ ሕቶታት ቀሪቦምልና ኣለዉ” ክብል ኣዳላዊ ቢዝነስ IRS ቶቢያስ ሓቢሩ።