ብቕድሚ ትማሊ ቃለማሕላ ብምፍጻም ስልጣን ምምራሕ ሃገር ዝተረከበ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ብተሰናባቲ ፕረሲደንት ነበር ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ተወሲኖም ዝነበሩ መብዛሕቶም ናይ ዉሽጥን ወጻእን ዉሳኔታት ብምስራዝ፡ ስርሑ ከምዝጀመረ ካብ ዋሽንግቶን ዝተረኸበ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ንምምላስ ኣሜሪካ ናብ ከባብያዊ ዉዕል ፓሪስ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ምቁራጽ ምስራሕ ዶባዊ መንደቕ ሜክሲኮን ኣሜሪካ ከምኡ ዉን ዜጋታት ናይ ውሱናት ሃይማኖት እስልምና ዝኽተላ ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ዝብሉን ካልኦትን ተሰሪዞም ከምዘሎዉ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ጸብጻባት ገለ ማዕከናት ዜና፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብኹለንተንኡ ካብ ባህሊ መሪሕነት ኣመሪካ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ ብምኽታል፡ ዝተፈልጠ ትራምፕ፡ ብስጊንጢርነቱ ዓለም ክትናፍቖ እያ ብምባል ይጽብጽባ።