ኣብ በርሊን፡ ጀርመን፡ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ብሪጣንያ ዝሰርሕ ሓደ ብሪጣንያዊ ዜጋ፡ ኣብ ስለያዊ ንጥፈታት ተዋፊሩ ጸኒሑ ብዝብል ክሲ፡ ፖሊስ ጀርመን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ንሱ፡ ብገንዘብ ተዓሲቡ፡ ሚስጥራዊ ሰነዳት ናብ ሩስያ የቐብል ኔሩ ብዝብል ክሲ እዩ ብኣኽበርቲ ሕጊ ፈደራል ጀርመን ተኸሲሱ ዘሎ።
ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ ስለያዊ ንጥፈታቱ የካይድ ምንባሩ እተነግረሉ ብሪጣንያዊ፡ ኣብ ከባቢ ፖስዳም እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ገዝኡን ስርሑን ብኣኽበርቲ ሕጊ ከም እተፈተሸ እውን ተገሊጹ። ዝመጽእ ረቡዕ ጒዳዩ ተመርሚሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሓሉ ግዜ ክውሰን እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እዚ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ብምትሕብባር መንግስታት ብሪጣንያን ጀርመንን ምንባሩ ተገሊጹ።