ብምኽንያት ምውሳኽ ሓደስቲ ሕሙማት ማንኪፖክስ፡ ዶክተራት ሽወደን ክትባት ጸረ ማንኪፖክስ ክወሃብ ይጽውዑ’ለዉ። ምስ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብምውድዳር፡ ማንኪፖክስ ብ 25% ዝያዳ ተሓከምቲ ሆስፒታል ከም ዘኸትል፡ እቶም ሓካይም ወሲኾም ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሶደርስዩክሰት ዋና ሓኪም ፊን ፍለን “እዚ ኲነታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሸጋሪ ናብ ዝበሃል ደረጃ በጺሑ’ሎ፡ ስሩዕ ስራሕና ከይነሰላሰል ዕንቅፋት ኮይኑ’ሎ” ብምባል ንኣሻቓልነት እቲ ኲነታት ኣመልኪቱ’ሎ።