ሩስያ፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኪቭ ድሕሪ ዘጋጠማ ተደጋጋሚ ፍሽለት፡ ወተሃደራታ ብምስሓብ ኣድህቦኣ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ትገብር ኣላ። ዶንባስ ናብ ዝተባህለ ዞባ ምስሓብ ከኣ ንዝተናውሐ-ኲናት ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ቭላድሚር ፑቲን፡ ማእከል ኢንዱስትሪ ዩክረይን ዝነበረ ዞባ ‘ናጻ ምግባር’ ኣብ ዝብሎ ዕላማ፡ ድሌቱ እንታይ ነይሩ? ይከኣል ድዩ ኸ?
ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዩክረይን ሰብኣዊ ቕዝፈት ኣውሪዶም፣ ማሪዮፖል ዑና ገይሮምዋ፤ እንተዀነ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን ክስዕርዎ ኣይከኣሉን ዘለው።
Källa BBC TIGRINJA