ኣብ ሽወደን ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ብስደት ዝተቕመጠን ኢራናዊ ድርብ ዜግነት ዘለዎን ሓቢብ ቻብ፥ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኢራን
ብሞት ከም እተቐጽዐ ተፈሊጡ። ንሱ ኣብ ኢራን ዝቕመጡ ሕዳጣን ጒጅለ ኣዕራብ ንምግንጻል ይንቀሳቐስ ኔሩ፥ ን መንግስቲ ኢራን
ብቦምብ ንምጥቃዕ እውን ወጢኑ ኔሩ ብዝብል ክሲ እዩ ብሞት ተቐጺዑ፥ ክብላ ማዕከናት ዜና ኢራን ገሊጸን ኣለዋ። ሚኒስተር
ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ነዚ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከም ዝኾነኖን፡ ከም ምምልክት ተቓውሞኡ ንኣምባሳደር
ኢራን ኣብ ሽወደን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከም ዘጸውዖን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ኣቕድም ኣቢላ ሽወደን ንፍርዲ ሞት ሓቢብ ቻብ
ተቓውሞኣ አተስምዕ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።