ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናይ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ ኣብ ከተማ ካርሊስታድ ኣብ ሮድ ዝተባህለ ከባቢ ሓንቲ መስጊድ ንኽትህነጽ ከምተፈቕደ SVT ሓቢሩ።
ኣብ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ መስጊድ ንኽህነጽ ዝተሰማምዕሉ ወገናት 7 ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተቛወሙ ድማ 4 ነይሮም። ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትናን ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትናን ካብቶም ናይ ተቛውሞ ድምጺ ዘስምዑ እዮም።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህንጻዊ ውጥናት ከተማ ሃልሚስታድ ዝኾነ ኤሪክ ኒልሶን (ኣባል ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትና)፡ ነቲ ሓዲሽ መስጊድ ናይ ምስራሕ ውሳኔ ብሰንኪ እኹል ዝኾና ናይ መካይን መዐሸጊ ቦታታት (ፓርከሪን) ዘይምህላዉ ብዝብል ምኽንያት ከምዘይተቐበሎ ገሊጹ። ን120 መካይን መዐሸጊ ቦታታት እኳ እንተተደልየ፡ ኣብቲ ከባቢ መስጊድ ን17 መካይን ዝኣክል ቦታ ክስራሕ ከምዝኽእል ሓቢሩ። ምስ ኮሌጅ ኖብል ብዝተገብረ ስምምዕ ድማ ካብ 1/04/2022 ጀሚሩ ክሳብ 01/12/2022 ዘሎ ግዜ እተን ዝተረፋ መካይን ኣብቲ ቦታ ክዕሸጋ ከምዝኽእላ ተሓቢሩ።
ፖለቲከኛታት ሃገርና፡ መስጊድ ንኽህነጽ ምፍቃዶም ብጣዕሚ ዘሕዝን ውሳኔ እዩ ክብል ኤሪክ ነልሰን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።
ዝቕጽል ስጉምቲ ድማ ኣብቲ ዝተባህለ ከባቢ መስጊድ ክስራሕ ምዃኑ ኣብ ጋዜጣ ምእዋጅን ዝቃወም ኣካል እንተድኣ ሃልዩ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሳምንታት ጥርዓኑ ንምቕራብ ዝጽውዕ ክኸውን እዩ። ዝቃወም ሰብ (ይግባይ ዝብል) እንተዘይተረኺቡ ድማ መስጊድ ናይ ምህናጽ ፍቓድ ሕጋውነት ለቢሱ ማለት እዩ።
መስጊድ ናይ ምህናጽ ውሳኔ ይግባይ ክበሃሎ ምዃኑ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ሎሚ ጉዳይ ምህናጽ መስጊድ፡ ፖለቲካዊ ውሳነ ኣይክኸውንን እዩ ይብል ኤሪክ ኔልሰን።
እቲ ክህነጽ ተመዲቡ ዘሎ መስጊድ ክሳብ 1117 ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ላዕልን ታሕትን መስገዲ ክህልዎ እዩ። 22 ሚትሮ ቁመት ዘለዋ መአዘኒ (ሚናራ) ድማ ክህልዋ እዩ።