ኣብ እዋን ለበዳ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈት ዝሳተፉ ሰባት ብቚጽሪ ምጒዳሎም ተፈሊጡ። ብፍላይ ድማ ብኣካለ ስንኲላን ዝዝውተሩ
ዓይነታት ስፖርት በዚ ኣጸቢቖም ዝተሃስዩ ኮይኖም እቲ ቊጽሪ ዛጊት ምንም ወስኽ ኣየርኣየን ።
እቲ ቊጽሪ ምስቲ ኣብ 2019 ዝነበሮ እንክወዳደር ናይ 39% ምጒዳል ከም ዘርኣየ ኮንፈደሬሽን ስፖርት ሽወደን ገሊጹ።
"ስንክልና ዘለዎም ሰባት ካብ ዝኾነ ካልእ ሰብ ብዝያዳ ኣብ ህይወቶም ብድሆታት ኣለዎም። ስለዚ ድማ ሰባት ንምሕጋዝ
ተወሳኺ ኣቓልቦ የድልየና እዩ" ክትብል ኣደመንበር “ማሕበር ፓራስፖርትስ” ከምኡውን ፕረሲደንት ኮሚተ ፓራኦሊምፒክስ
ሽወደን ኣሳ ኖርሊን ኣተሓሳሲባ’ላ።