መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ጽኑዕ መምርሒታት ኮሮና ከምዘፍኮሰ ሓቢሩ።
ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚረን፡ ትካላት መስተኻኸሊ ጸጉሪ ርእሲ፡ እንዳ መሻጢት፡ እንዳ መነቀሺ ( tattoo parlors)፡ ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን እንዳ ሶላሪዮምን ( ኣብ ሕክምና ጸሓይ ንመጽለዊ ዝጠቅም ብመስትያት ዝተሸፈነ ገዛ) ነቶም ናይ ኮሮና ፓስፖርት፡ ናይ ጸረ ኣካል ሰርቲፍኬትን ናይ 72 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ንዘቐርቡ ሰባት፡ ክፉታት ምኻኖም ገሊጹ።
ናይ ርሑቕ ኣገባብ ትምህርቲ ውን ብከፊል ክተርፍ ምኻኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቶም ካብ 5 ክሳብ 8 ክፍሊ ዝመሃሩን እቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተማሃሮ ቀዳማይን ካልኣይን ክፍሊ ድማ ብከፊል ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ከምዝኾኖም፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብደረጃ ዩኒቨርስቲ ዘለዉ ተማሃሮ ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብመንገዲ ናይ ርሑቕ ኣገባብ ትምህርቲ ይኽተሉ ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ እቶም ንማስተርስ ድግሪ ብግብሪ ዝመሃሩ ተማሃሮ፡ 50% ናይ ትምህርቶም ኣብ ዩኒቨርስቲ መጺኦም ክመሃሩ ክኽእሉ እዮም። እቶም ዝተረፉ ተማሃሮ ድማ 20% ናይ ትምህርቶም ጥራይ ናብ ዩኒቨርስቲ ብምምጻእ ከሰላስሉ ምኻኖም ተፈሊጡ።
እቶም ኣብ ተግባረ ኢድ ዝመሃሮ ተማሃሮ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሶም፡ ትምህርቶም ከሰላስሉ እዩም።